Scopri milioni di eBook, audiolibri e tanto altro ancora con una prova gratuita

Solo $11.99/mese al termine del periodo di prova. Cancella quando vuoi.

La novena a Maria che scioglie i nodi
La novena a Maria che scioglie i nodi
La novena a Maria che scioglie i nodi
E-book83 pagine42 minuti

La novena a Maria che scioglie i nodi

Valutazione: 0 su 5 stelle

()

Leggi anteprima

Info su questo ebook

HO TRADOTTO IN TIGRINO LA STORIA DELL'IMMAGINE DI MARIA CHE SCIOGLIE I NODI E ANCHE LA NOVENA CORRISPONDENTE.ታሪክ ናይ ፈታሒት ቁጻር ንጺሕቲ ድንግል ማርያምን ጸሎት ናይ ታስአቲን ተርጉመዮ ኣለኩ፡
LinguaItaliano
Data di uscita21 lug 2023
ISBN9791221486292
La novena a Maria che scioglie i nodi

Correlato a La novena a Maria che scioglie i nodi

Ebook correlati

Preghiere e libri di preghiera per voi

Visualizza altri

Articoli correlati

Categorie correlate

Recensioni su La novena a Maria che scioglie i nodi

Valutazione: 0 su 5 stelle
0 valutazioni

0 valutazioni0 recensioni

Cosa ne pensi?

Tocca per valutare

La recensione deve contenere almeno 10 parole

    Anteprima del libro

    La novena a Maria che scioglie i nodi - Alganesh Ghebreab Kidane

    ምስጋና

    እዛ እኖና ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ፈታሒት ቍጻር እትብል ዓሚቝ መንፈሳዊ ሃብቲ ዝሓዘት ንእሽቶይ መጽሓፍ ጸሎት ታስዕቲ፡ ታሪኽ ኣመጻጽኣኣ ምስ ኣንበበብኩዋን፡ ብጸሎት ኣብ ሕይወተይ ምስ ተመከርኩዋን፡ ብዘሕደረትለይ ፍሉይ ጦብላሕታ ንሕዝብና ብዙሕ ክትጠቅም ትኽእል እያ ዝብል ዓቢይ እምነትን ሰናይ ድላይን ስለዘሎኒ፡ ካብ ቋንቋ ጥልያን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ክትርጉማ ተተባቢዐ። ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ፡ እንነብሮን እንዕዘቦን ኣዝዩ ብዙሕን ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ሕልኽላኽ ዚመልኦን ጉዕዞ ሕይወት ዝያዳ ክፋል መዓልታዊ ሕይወትና ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን፡ መምህርን ተማሃራይን፡ ወሃቢ ስራሕን ሰራሕተኛን፡ ኣዕሩኽ፡... ብዓቕምና ጥራይ ክንፈትሖ ይኸብደና፡ መዋጽኦ ንስእነሉ እዋናት እውን ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ካብ ገዛእ ርእስና ኮነ ካብ ምሳና ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ዝተቖጻጸረ ጸገማትን ፈተናታትን ምስ ዝገጥመና ናብዛ ኣብ እግሪ መስቀል ብሓደራ ዝተዋህበትና ርሕርሕቲ እኖና ድንግል ማርያም ክንምዕቆብ፡ ብፍቕርን ምሕረትን ክንነብር ብእምነትን ተስፋን ክንብርትዕ ኣዝያ እትሕግዝ መጽሓፍ ኢያ።

    ክቡር ኣባ ተወልደ በየነ ወዲ ማሕበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ብተዮሎግያዊ መምዘኒ ርእዮም ብምእራም፡ ሕዝብና ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፍሉይ ፍቕርን መንፈሳውነትን ስለዘለዎ፡ ጠቓሚት መጽሓፍ ምዃና ርእይቶኦም ብምሃብ ኣተባቢዖሙኒ። ስለቲ ትጉህን ዘይሕለልን ተወፋይነቶም ብልቢ ኣመስግኖም፡ ካብ እግዚኣብሔር ዘይጽምሉ ዓስቢ ይሃቦም። ከምኡ እውን ናይ ቃላት ጌጋ ዝነበሮ ጽሑፈይ ጊዜኡ ሰዊዑ ዝኣረመለይ መንእሰይ ስምኦን ዑቝባሚካኤል (ወዲ መምህር) ተቐማጣይ ጀርመን ዕዙዝ ምስጋናይ ይብጻሓዮ።

    ኣነ ነዛ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ፈታሒት ቍጻር እትብል ጸሎት ታስዕቲ፡ ኣብ ኵሉ ኵነት ሕይወተይን ሕይወት ካልኦት ሰባትን እጥቀመላ ኢየ፡ መልሲ እውን ስኢነ ኣይፈልጥን። ኣብዛ ዝነብረላ ዘለኹ ከተማ (ፓርማ ዓዲ ጣልያን) ንብዙሓት ምኽሪ ዝሓታ ኣዴታት እውን በዛ ጸሎት እዚኣ ክጽልያ ዝመኸርክወን መልሲ ስለዝረኸባ ብዙሓት ኣመስጊነናኒ እየን። ጠቓሚት ምዃና ዝተመስከረላ ንእሽቶይ መጽሓፍ ጸሎት እያ።

    መእተዊ

    ቍጻርካ ክትፈትሕ ትኽእል ብጽዕቲ ቅድስቲ ማርያም። እዛ ቍጻር ትብል ቃል ካበይ ዝመጸት እያ፧ እዛ ቃል እዚኣ ቀደም ዘመን ክልተ ሰብ ሓዳር ኣብ ግዜ መርዓኦም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጻዕዳ ገመድ እዩ።

    ምልክት ናይ እዚ ጻዕዳ ገመድ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ክልተ ሰብ ሓዳር ክምርዓዉ ከለዉ ናይ ክልቲኦም ኣእዳው ጠሚሩ ንኽሕዞም ዝውሃቦም ዝነበረ ጻዕዳ ገመድ እዩ። እንታይ እዩ ምልክቱ እንተበልና ከኣ፡ ንምሉእ ሕይወቶም ከይተፈላለዩ እቲ ዝኣሰርዎ ኪዳን ከይፈትሑዎ ክነብሩ፡ ኣብቲ ዝኣተውዎ ማሕላ ክጸንዑ ዝብል ምልክት ነበረ፥ ገመድ ወይ ፈትሊ ኪዳን (Nastro matrimoniale) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ ነበረ። እዛ ቍጻርካ ትፈትሕ ማርያም ንብላ ዘለና እምበኣር፡ ሓደ እዋን ኣብ ጀርመን ክልተ ሰብ ሓዳር ኣብ ሕይወቶም ብዙሕ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ነበረሞ፡ ንኽፋትሑ ወሰኑ።

    ቅድሚ ምፍታሖም ግን ናብ ሓደ ገዳም ከይዶም ብሓቂ ብጸሎትን ብተጋድሎን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወፍዮም፡ ጸገሞም ከምዝተፈትሓሎም ዝሕብር ታሪኽ ኢዩ። ብፍላይ እቲ ኣቦ ስድራ ቮልፋንግ ላንግመንተል (Wolfgang Langenmantel) ዝተባህለ፡ ብሓገዝን ምኽርን ናይ ሓደ ኣባ ያዕቆብ ዝተባህሉ ኢየሱሳዊ ካህን እናተመላለሰ ምስ እዞም ካህን ኮይኑ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸሎቱ የዕርግ ነበረ። ኣባ ያዕቆብ ነቲ ናይ መርዓኦም ገመድ ናብ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓፍ ኣቢሎም፡ ኦ ማርያም ነዚ ቍጻርን ጸገምን እዚ፡ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ክትፈትሕዮ ትኽእሊ እናበሉ ይጽልዩ ነበሩ። እናጸለዩ ከለዉ ብተኣምራታዊ መልክዕ እቲ ጻዕዳ ገመድ ናይ መርዓ ክፍታሕ ረኣይዎ።

    እዚ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጢ እዞም ሰብ ሓዳር ተፈጢሩ ዝነበረ ቍጻራት ክፍታሓሎም ምዃኑ ተረድኦም። ኣቦ ገዛ ንገዝኡ ምስ ተመልሰ፡ በዓልቲ ቤቱ ሶፊየ እቲ ንበዓል ቤታ ንዝኾነ ነገር ተኽብደሉ ዝነበረት በብቝሩብ እናተመሓየሸሎም ስለ ዝኸደ፡ ክፋትሑ ሓሲቦሞ ዝነበሩ እናተጸዋወሩ ሓዳሮም ከምዝቕጽሉ ገበሮም። ስለዚ ነዛ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝተገብረሎም ተኣምራት ኣብ ሕይወትና ተቖጺሩ ዝነበረ ሽግራት ዝፈተሓትልና ኢሎም የኽብሩዋን ይሰምይዋን ነበሩ። ከም ልመና፡ ምሕጽንታ፡ ምስጋና፡ እናበሉ እውን ንዕቤትን ክብርን ማርያም ዝገልጽ ጽሒፎም ኣለዉ።

    ድሕሪ ነዊሕ ዓመት ወዲ ወዶም (ወዲ ጓሎም) በቲ እንዳኣባሓጎኡ ኣውርየሙሉ ዝነበሩ፡ ኣብ ተግባር ምእንቲ ከውዕሎ ሓደ ቤተ መቕደስ ንኽብሪ እዛ ቍጻርካ ትፈትሕ ድንግል ማርያም ሰርሐ። እቲ ዘቕረቦ ምስሊ እውን ልክዕ ማርያም ቍጻር እናፈትሐት መላኽቲ ነቲ ገመድ እናኣቐበልዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ እናፈትሓቶ ከላ ሓደ ዓቢይ ስእሊ ገበረሉ።

    ኣብዚ ግዜና ክትዝርጋሕ ዝኸኣለት ግን ብሓልዮት ብጹዕ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኢዩ። ንሶም ተመሃራይ ከለዉ ኣብ ጀርመን ቅዱስ ቦታ ክበጽሑ እናተዛወሩ እዮም ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ዝረኸብዋ፡ ኣድማዒት ጸሎት ምዃና ስለዝተረድኡ ከኣ ክትዝርጋሕ ብዙሕ ጻዕሪ ኣካይዶም። መጀመርያ

    Ti è piaciuta l'anteprima?
    Pagina 1 di 1